(ትግርኛ) ሰበር ዜና

ዕለት 5 ለካቲት 2015 ዒም

ናብ ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ
አዲስ አበባ
“”””””””””””””””””
ዋኒኑ፦ ብዛዕባ ቅዱስ ሲኖዶስ ብዝወሰኖ መሠረት ይቅርታ ምሕታት ይምልከት።

አነ ብናይ ቀደም ሹመይ አባ ነዋየ ሥላሴ አክሊሉ (ቆሞስ) ካብ ህፃንነተይ ጀሚሩ አብ ዓብይ ገዳም ደብረ ሊባኖስ አብ ትሕቲ እግሪ መንፈሳውያን አቦታተይ ኮይነ ዓብየ፣ አብ ውሽጢ ዓድን
አብ ደገን እንዳገልገልኩ ናይ ክህነት ግደይ ብምውፃእ እናተአዘዝኩ ፀኒሐ እየ።

ንአብነት አብ ሰዋስወ ብርሃን ቅዱስ ጳውሎስ ገዳም፣ አብ መንበረ ጸባዖት ቅድስት ሥላሴ ካቴድራልን አብ ደብረምጥማቅ ሰዓሊተ ምሕረት ካቴድራልን፣ ብቅዳሴ አገልግሎት አብ ኢቲሳ ደብረ ጽላልሽ አቡነ ተክለሃይማኖት ገዳም ብአመሓዳሪነት ኃላፊነተይ ብምውፃእ ብአበምኔትነት ልዕሊ 2 ዓመት ፀኒሐ እየ፤ አብ ቅድስት ሀገር ኢየሩሳሌም ውን ንዝሓለፉ 7 ዓመታት አብ አገልግሎት ምፅንሐይ ይዝከር እዩ”
ይኹን እምበር ሰሞኑ አብ ቅድስት ቤተክርስቲያና ካብ ቅዱስ ሲኖሱ አፍልጦ ወፃኢ ሓዱሽ ናይ ኤጲስ ቆጶሳት ሹመት እንትካሄድ ካብ ኢየሩሳሌም መፅየ ካብ ዝተሾሙ ሓደ እየ ነይረ።

በዙይ ውን ንምእመናን ብዘሐዝን ቅዱስ ሲኖዶስ ቃለ ውግዘት አብዘመሓላለፈሉ እዋን አነ አብ ዘይፈልጦ ዘይሕጋዊ ሢመት እንተይአፃረኹ ዝአተኹዎ ብምዃኑ ብጣዕሚ ስለዝተፀፀትኩ፣ በዚ ተግባር እዙይ ውን ዝሓዘንኩ ምዃነይ ብይቅርታ ልቢ ክገልፅ ይፈቱ።
ብምዃኑ በዚ ሎሚ ዕለት ቅዱስ ሲኖዶስ ብዝሠየሞ አቀራራቢን ናይ ይቅርታ ኮሚቴ አማካኝነት ብቅዱስ ሲኖዶስ ውሳኔ ብዝኸፈቶ ናይ ይቅርታን ናይ ምሕረትን አፍደገ መሠረት፣ ናብ አደይ ቤተክርስቲያነይን ናይ መንፈስ ቅዱስ አቦታተይን ከምኡ ውን ናብ ምእመናን ንይቅርታ ዝቀረብኩ ስለዝኾነ ብመሠረት ናይ ቋሚ ሲኖዶስን ምልዓተ ጉባኤን ውሳነ ነዚ ይቅርታይ ብአቦነት መንፈስ ንክቅበለኒ ብዓብይ ትሕትና ይሓትት።

“በረከት አቦታትና ይሕደረኒ ምስ ዓብይ ይቅርታ”

ብናይ ቀደም ሹመይ አባ ነዋየ ሥላሴ አክሊሉ (ቆሞስ)

ቅዳሕ
“””””””””””
ናብ ፍሉይ ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ፓትርያርክ
ናብ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ቤተክህነት ዋና መካየዲ ሥራሕ
አዲስ አበባ
“”””””””””””””””